08 January 2019

ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ይዓምብብ

ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ይዓምብብ

cyclingኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ደረጃ መሳልል ብሽክለታ፡ ኣብ ዓለም መበል 30 ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ምስ ሰማዕኩ፡ ተሓጒሰ ጥራይ ዘይኰነ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ሰረት ሒዙ ይዓቢ ከም ዘሎ ብቐሊሉ ንኽርዳእ እውን ሓጊዙኒ እዩ።.

እዚ ድማ፡ ፍረ ጻዕሪ ናይ’ቶም ንኽብሪ ሃገሮም ቀዳምነት ሂቦም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ክለባት ዓለም ተሰሊፎም ብሉጽ ውጽኢት ብምምጻእ ከም እንሕበን ዝገብሩና ዘለዉ ስሑላት ደናጉ መንእሰያት ሃገርና እዩ። 

cycling

እዚ ደረጃ ብፍቕዲ ክረአ እንከሎ ብዙሕ ኣይመስልን ይኸውን። እንተ ዀነ ግን፡ ኣብ’ዚ ናይ ጸዓዱ ዝዀነ ውድድር፡ ንኹላተን ሃገራት ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ኣመሪካ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ብቐሊሉ ዝረአ ዓወትን ዕብየትን ኣይኰነን። ኤርትራ ኣብ’ዚ ዓመት ነዚ ደረጃ ንኽትሕዝ፡ ናይ’ቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ተሰሊፎም ስሞምን ስም ሃገሮምን ዘጸውዑ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ጕሉሕ ተራ ምጥቃስ ግቡእ እዩ።

ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ምሓዝና፡ (ቀዳመይቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ምዃና ከይዘንጋዕና)፡ እዚ ደረጃ ብዙሕ ዘዛኒ ከም ዘይኰነ ክንርዳእ ይግባእ። ምኽንያቱ ሃገርና፡ ናይ ብሽክለታ መሬት ካብ እትበሃል፡ ድሮ ሸውዓተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ። እዚ ናይ ጎብለልነት ክብሪ ንዓና ከም ኤርትራውያን ብቐሊሉ ዝምንጠል ክኸውን ፈጺምና ዘይንቕበሎ እዩ። እቲ ምንታይ፡ ከም’ቲ ንብራዚላውያን ኩዕሶ እግሪ፡ ንዓና ድማ ብሽክለታ ከም ርስትና ተቐቢልናዮ ኢና። ስለ’ዚ ኣብ’ቲ ናይ ዓለም ዘለና ደረጃ እናዕበና፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለና ደረጃ፡ ወትሩ ከም ብሌን ኣዒንትና ክንሕልዎ ይግባእ። እቲ ኣብ ዓለም ዝህልወና ተፈላጥነትን ደረጃን፡ በቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለና ጸብለልትነት ስለ ዝልካዕ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ በቲ ሓደ ንቐጻሊ ኣብ ነብሲወከፍ ኤርትራዊ ስድራ ከም ሰነድ ክተሓዝ፡ ከምኡ’ውን ነቶም ንኣሽቱ መነቓቕሒ ክኸውን ዝምልከቶም ኣካላት ኩላቶም፡ እቲ ተቐዳደምትና ደሚቖም ዝተራእዩሉ ውድድራት ውሽጥን ወጻእን ተቐናቢሩ፡ ብመልክዕ ደኲመንታሪ እንተ ዝሕተም ጽቡቕ ነይሩ ዝብል ርእይቶ ኣለኒ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል፡ ንዕብየት’ዚ ብተዛማዲ ኣብ ዓለም ክንጽዋዕ ዝገብረና ዘሎ ዓውዲ ስፖርት ከይሰልከየ ክሰርሕ እናተላበኹ፡ ነቶም ብዘይ ብዙሕ ዓስቢ ደኺምና ከይበሉ፡ ስሞምን ስም ሃገሮምን ኣብ ዓለም ንኽጽዋዕ ዝገብሩ ዘለዉ ስሑላት ደናጉ ደጊመ አመስግን።

ኣ. በ. ካብ ኣስመራ

ERI Sports News

Primary Soccer Field: Stadium at William C. Hinkley High School

hinkley high school aurora co 3The primary venue for all sports will be Hinkley High School, 1250 Chambers Road, Aurora, CO 80011-7117.

Read more ...

ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ይዓምብብ

cyclingኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ደረጃ መሳልል ብሽክለታ፡ ኣብ ዓለም መበል 30 ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪቃ ካልኣይ ደረጃ ከም ዝተሰርዐት ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሃን ምስ ሰማዕኩ፡ ተሓጒሰ ጥራይ ዘይኰነ ቅድድም ብሽክለታ ሃገርና ክሳብ ክንደይ ሰረት ሒዙ ይዓቢ ከም ዘሎ ብቐሊሉ ንኽርዳእ እውን ሓጊዙኒ እዩ።.

Read more ...

User Login